ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ጅቡቲ ምብጻሕ የካይዱ ኣለው


ግብጺ ብሰንኪ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ አብ ትርከበሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ዓብድልፈታሕ ኣል ሲሲ ምስ መዘነኦም ንምዝርራብን ኣፍሪቃዊ ኪዳን ንምሕያልን ጂቡቲ ኣትዮም።

ሓደ መራሒ ግብጺ ኣብ ጂቡቲ ከምዚ ናይ ሎሚ መገሻ ዝፍጽም ዘሎ ንፈለማ ጊዜ እዩ።

ናይ ግብጺ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ኣብ’ዚ ታሪኻዊ መገሻ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ምስ ፕረዚደንት እስማኢል ኦማር ጉለ፣ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ወትሃደራዊን ቁጠባዊን ርክባት ዘማእከለ ልዝብ ክገብሩ እዮም" ኢሉ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ መገሻ ፕረዚደንት አል ሲሲ ኣብ ጂቡቲ ይፍጸም ዘሎ፣ ብሰንኪ’ቲ 4.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ግድብ ህዳሴ፣ ግብጽን ሱዳንን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያል ውጥረት ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን እዩ።

XS
SM
MD
LG