ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ፥ ምስ ሓደ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዘ ሰብ ድሕሪ ምርኻቡ፥ ናይ ክልተ ሰሙን በይናዊ ውሸባ ጀሚሩ`ሎ። ብመሰረት መግለጺ ወሃቢ ቓል`ቲ ፕረዚደንት: ፕረዚደንት ኣዶ ክውሸብ ዝኸኣለ፥ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናቱ እቲ ቫይረስ ምስ ተረኸቦ፥ ሓካይሙ ክውሸብ ስለ-ዝመኸርዎ`ዩ። እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ልዕሊ 19,000 ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ዝሞቱ ድማ 117 ምምዝጋባ ኣፍሊጣ`ላ።