ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጊኒ ኣልፋ ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ምርጫ ክሳብ ሕጂ ብዝተቖጽረ ድምጺ ንሳልሳይ ግዜ ዝሰዓረ ይመስል።
መራሒ ተቓወምቲ ሰሊዩ ዲያሎ- ዝተደናገረ ምርጫ`ዩ ብምባል ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝከራኸር ወሃቢ ቃሉ ኣፍሊጡ`ሎ።
ሓፈሻዊ ውጽኢት`ቲ ምርጫ ጽባሕ ቀዳም ክፍለጥ`ዩ ተባሂሉ`ሎ።
ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ፡ ንሳልሳይ ግዜ ንክወዳደር ዝተገብረ ናይ ሕገ-መንግስቲ ለውጢ ኣብታ ሃገር ምስሓሓብን ኣድማን ወሊዑ ምኽራሙ ይዝከር`ዩ።