ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ጊኒ ቢሳው ዝተፈተነ ዕልዋ ምስ ምዝውዋር ሓሺሽ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝክእል ሓቢሮም


ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው ዑማሮ ሲሰኮ ኢምባላ
ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው ዑማሮ ሲሰኮ ኢምባላ

ዋና ከተማ ጊኒ ቢሳው ድሕሪ`ቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ሎሚ ረቡዕ ዝሃደአት ትመስል፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ዑማሮ ሲሰኮ ኢምባላ፡ እቲ ምስ ሰበ-ስልጣኑ ኣብ ኣኼባ ከሎ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ፈተነ ዕልዋ ኣንጻር ደሞክራሲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ`ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሃሃደ ከምዝነበረን ምናልባት`ውን ምስ ምዝውዋር ሓሺሽ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ`ሎ።

በቲ ነቲ መንግስቲ ንምድሓን ዝተገብረ ኩናት ድማ ብኽልቲኦም ወገናት ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉ ዘፍለጠ ፕረዚደንት ዑማሮ ንሰራዊት ምክልኻሉ ምስጋና ሂቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG