ዋሽንግተን —
ዋና ከተማ ጊኒ ቢሳው ድሕሪ`ቲ ትማሊ ሰሉስ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ሎሚ ረቡዕ ዝሃደአት ትመስል፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ዑማሮ ሲሰኮ ኢምባላ፡ እቲ ምስ ሰበ-ስልጣኑ ኣብ ኣኼባ ከሎ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ`ሎ።
እቲ ፈተነ ዕልዋ ኣንጻር ደሞክራሲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ`ዩ ዝበለ ፕረዚደንት ጊኒ ቢሳው እቲ መጥቃዕቲ ዝተወሃሃደ ከምዝነበረን ምናልባት`ውን ምስ ምዝውዋር ሓሺሽ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ`ሎ።
በቲ ነቲ መንግስቲ ንምድሓን ዝተገብረ ኩናት ድማ ብኽልቲኦም ወገናት ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉ ዘፍለጠ ፕረዚደንት ዑማሮ ንሰራዊት ምክልኻሉ ምስጋና ሂቡ`ሎ።