ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ወራሲ ዓራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናሕያን ብዛዕባ ምድልዳል ነዊሕ ዝጸንሐ ሽርክነት ክልቲአን ሃገራት ተዘራሪቦም።
ብመሰረት ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ ሓበረታ፡ ፕረዚደንት ባይደን ብምኽንያት ዝመጽእ ዘሎ መበል 50 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኢማራት ዓረብ እንቋዕ ኣሓጎሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ጠፈር: ክሊማ: ምክልኻልን ጸጥታን ዘለወን ምትሕብባር ኣንጸባሪቑ`ሎ።
ከምኡ`ውን ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን፡ ዞባውን ኑክሌራውን ስግኣት ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝምዕብል ዘሎ ህድኣትን ሰላምን ዘለዉ ዓለማዊ ብድሆታት ምልዓሎም ተጠቑሱ`ሎ።
ብመሰረት`ዚ ንቡር ዝምድና ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ፕረዚደንት ባይደን ኣስሚርሉ`ሎ። ፕረዚደንት ባይደንን ወራሲ ዓራት መሓመድን፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝበለ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ምስምምዖም እቲ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ንባብ የመልክት።