ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ጆ ባይደን ኣብ ግጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስ ፕረ.ኬንያታን ብቴሌፎን ምዝርራቦም ተገሊጹ


ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንከብቅዕ፣ አቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኬንያ ስልጣና ንክትጥቀም፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድልየቶም ምኻኑ ገሊጾም።

ንሶም ምስ ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ ዝነበሮም ፈላማይ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ኬንያ ኣባል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ምስ ምዃና ተኣሳሲሩ፣ ፕረዚደንት ባይደን፣ ነባራይ ጽምዶ፣ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ህድኣትን ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ባይደን ነቲ ኬንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትጻወቶ ኣላ ዝበልዎ መሪሕ ተራ ከምዝናኣዱ’ውን መግለጺ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG