ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ጀርመን ፕረ. ፑቲንን ሰርገይ ላቭሮቭን ናብ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ ፀዊዖም


ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ ቮልተር ሽታይንማየር
ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ ቮልተር ሽታይንማየር

ፕረዚደንት ጀርመን ፍራንክ ቮልተር ሽታይንማየር ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናብ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ ፀዊዖም።

"ነዞም ገበናት ሓላፍነት ዝወስድ ዝኾነ ይኹን ሰብ መብርሂ ክህበሉ ኣለዎ’’ምባሎም ብናይ ጀርመን ደር ስፒየገል መፅሄት ተጠቒሶም ኣለው።

"እዚ ንወታሃደራትን ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ይሓውስ።ፖለቲካዊ ሓላፍነት ንዘለዎም ከኣ ናይ ግድን እዩ" ኢሎም።

ዩክሬን ብገበን ምጥፋእ ዓሌትን ገበናት ኵናትን ንሩሲያ ኸሲሳታ ኣላ።ሩሲያ ብወገና ሓይልታት ሩሲያ ኣብ ቡቻ ንስቪላት ቀቲሎም እዮም ዝብል "ዘፍርሕ ሓሶት’’ ክትብል ነፂጋቶ እያ።

XS
SM
MD
LG