ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ዶናልድ ትራምፕ፣ ኣብ ታሪክ ኣሜሪካ ክልተ ጊዜ ንክውገዱ ዝተወሰኖም መራሒ ኮይኖም  


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ "ንውጽኢት ምርጫ ንምቅልባስ ወጢኖም"፣ ደገፍቶም ንኣዳራሽ ባይቶ (ካፒተል ሂል) ንክወሩ ድሕሪ ምውድዳዶምን ሞት ዘስዓበ ዕግርግር ኣስዒቦም ተባሂሎም ምኽሳሶም፣ ብቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ንዝጽውዕ ውሳነ ትማሊ ረቡዕ ኣሕሊፉ።

232 ደገፍ 197 ተቃውሞ ዝረኸበ እቲ መስርሕ ድምጺ፣ ኩሎም ደሞክራሲያዊያንን 10 ሪፐብሊካዊያን እዮም ትራምፕ ስልጣኖም ንከረክቡ ሰሙን ምስተረፎም ንክወርዱ ወሲኖም ዘለው።

እቲ ናይ ትማሊ ውሳነ፣ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ 245 ዓመታት ታሪኽ ኣሜሪካ ክልተ ጊዜ ካብ ስልጣኖም ንክውገዱ ዝፈረዶም ፕረዚደንት ኮይኖም ኣለው ።

ኣብ 2019 ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ትራምፕ ካብ ስልጣን ንክእለዩ ወሲኑ ነይሩ ግን ብሴነት ኣሜሪካ ተነጺጉ እዩ።

ደንጉዮም ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ካብ ስልጣኖም ናይ ምእላይ ውሳነ ከይተዛረብሉ ሓሊፎም፣ ኣብ ልዕሊ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ (ካፒተል ሂል) ዝተፈጸመ ወረራ ግና ኮኒኖምዎ።

XS
SM
MD
LG