ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ብሪጣንያ ዑደት የካይዱ ኣለው


ኣብ ብሪጣኒያ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ስድራ ንጉሳዊያን ብሪጣንያ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።መንግስታዊ ናይ ድራር እንግዶት ከምዝእንገዱን ካብ መዝነተን ዝወርዳ ምስ ዘለዋ ቀዳመይቲ ሚንስትር ተሪሳ ሜይን ከምዝዘራረቡን ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ብሪጣንያ ንግስቲ ኤልዛቤት ንፕረዚደንት ትራምፕን ብዓልቲ ቤቶም መላንያ ትራሞፕንን ኣብ ቤተ መንግስቲ በኪንግሃም ተቐቢለንኦም።

ፕረ.ትራምፕ ቅድሚ እቲ መገሻ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ቀረባ ኣዚዩ ዓብይ ናይ ንግዲ ስምምዕ ክገብራ እየን ኢሎም።

ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እዩ ፕረ. ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዑደት ይገብሩ ዘለው፡ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣኒያ ፕረዚዳንት ትራምፕ ዑደቶም ምስ ዛዘሙ ድሕሪ ክልተ መዓልታት 7 ሰነ 2019 ካብ መዝነተን ከምዝወርዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጸን ይዝከር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብዚ ዑደቶም ንፈረንሳን ኣየርላንድስ ከምዝበጽሑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG