ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ናይ ንግዲ ልዝብ ንምቕፃል ተሰማሚዓ’ላ ኢሎም።ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ግን ነዚ ከረጋግፁዎ ኣይክኣሉን።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕወኪላት ቻይና ናብ ልዝብ ክንምለስ ኢና ኢሎም ኣለው ኢሎም ። ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ፈረንሳይ ይካየድ ኣብዘሎ ኣኼባ ጉጅለ 7 ምስ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ኣብ ጎናዊ ኣኼባ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል’ ዩ።
“ክልተ ግዜ ደዊሎምና።ኣዚዩ ፅቡቕን ሃናፅን መፀዋዕታ እዩ።ካብ ልቦም እዮም።ስምምዕ ክፈጥሩ ድልየት ኣለዎም።ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ንዕኦም ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።”
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ግን ጀንግ ሹዋንግ ትራምፕ ብዛዕባ ዝበሉዎ ናይ ስልኪ ዝርርብ ከምዘይፈለጡ ብምግልፃ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ግን ርትዓዊ መንገዲ ልዝብ እዩ ኢሎም።
“ምስሕሓብ ቁጠባን ንግድን ቻይናን ኣሜሪካን ብልዝብን ምምኽኻርን ክፍታሕ ከምዘለዎ ክገልፀልካ እደሊ።ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ግብሪ ምውሳኻ ኣንፃር ቅድሚ ሕጂ ብኽልቲአን ሃገራት ዝተብፅሐ ስምምዕ እዩ። “
ኣብ ኣኼባ ጉጅለ ሸውዓተ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ነረንድራ ሞዲ ብምዃን ብዛዕባ ካብ ቻይና ዝቐረበ ፃውዒት ካብ ጋዜጠኛታት ተሓቲቶም ምስ ቻይና ዝኣተውዎ ምስሕሓብ ቀረፅ ክግበር ዝነበሮ እዩ ኢሎም።
ምውሳኽ ቀረፅ ንኣሜሪካ ቢሊዮናት ዶላር ኣርኪቡላ እዩ ንዝብል ዘይሰማምዑ ተንተንቲ ኩባኒያታት ኣብ ልዕሊኦም ቀረፅ እንተወሲኹ ኣብ ዋጋ ኣቑሑት ወሰኽ ስለዝገብሩ ተጎዳእቱ ተጠቀምቲ እዮም ይብሉ።
ኲናት ቀረፅ ናይ ዓለም ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ኣሜሪካን ቻይናን ንናይ ዓለም ዕዳጋ ወይ ስቶክ ማርኬት ንሰሙናት ብዝለዓለ መጠን ሃሲዩዎ ይርከብ።
ቻይና ናብ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱው ናይ 75 ቢሊዮን ዶላር ፍሪያት ኣሜሪካ ቀረፅ ክውስኽ እየ ድሕሪ ምባላን ስዒቡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ 250 ቢሊዮን ዶላር ዘውፅእ ናይ ቻይና ኣቑሑት ካብ 25 ክሳብ 30 ሚእታዊ ቀረፅ ክውስኽ ድሕሪ ምባሎም ዝሓለፈ ዓርቢ ናይ ኣሜሪካ ስቶክ ማርኬት ብ2 ሚእታዊት ወሪዱ።