ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ሽልማት ኖበል ሰላም ንዕኦም ከምዝግባእ ተዛሪቦም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መዘራረቢ ዓለም ዝኾነ ሽልማት ኖበል’ዚ ዓመት ኢድ ከምዝነበሮምን ነታ ሃገር ንምድሓን “ውዕል” ምግባሮምን ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝበሉ ትማሊ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ጎስጋስ ምርጫ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን ኮይኑ ስም ሃገር ግን ኣይረቑሑን።

“ ሓደ ውዕል ጌረ። ሓንቲ ሃገር ኣድሒነ፡ ኣብ ቀረባ ድማ መራሒ’ታ ሃገር ነታ ሃገር ብምድሓኑ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ምዃኑ ሰሚዓ.... ኣነ ኢድ ኔሩኒ’ዶ? እወ ፡ግን ከምኡ ክከውን ኔሩዎ። ክሳብ ኩላትና ዝፈለጥና እቲ ዘገድስ ንሱ’ዩ። ዓብይ ኹናት’የ ኣድሒነ ካልኦት’ውን ኣድሒነ’የ” ኢሎም።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ብዛዕባ መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝምልከት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ሓቢሩ’ሎ።


ኣቐዲሞም ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ብዙሕ ርእይቶ ዘይህቡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ገለ ወገናት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣይግሰዱን’ዮም ዝብል ነቐፌታ ክቐርበሎም ጸኒሑ’ዩ።

ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ርእይቶ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዘደንጸዎምን ነቲ ውዕል ዝበልዎ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ክከውን ከምዝክእል ርእይትኦም ንኣሶሴይትድ ፕረስ ምሃቦም ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ብምፍጣር ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ኖበል 2019 ብምዃን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ሽልማቶም ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ምቕባሎም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንዓወት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ እንተዘይለአኹ ጓሎምን አማኻሪቶም ኢቫንካ ትራሞፕ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ግን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ምስዳዶም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራሞፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋር ደው ከብሉ ንዘካየድዎ ጻዕርታት ሽልማት ኖበል ከምዝግብኦም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG