ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጠባ ሃገሮም ንምምሕይሽ ናይ 26.3  ቢሊዮን ዶላር  ገንዘብ ሓገዝ ወግዓዊ ጌሮም


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሲ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እታ ዝወረደ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ንምሕጋዝ ናይ 26.3 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ወግዓዊ ገይሮም።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ሎሚ ረቡዕ ንህዝቢ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መደረ እቲ ባጀት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ዝተፈጥረ ጥምየትን ቁጠባዊ ሽግርን ኣብ ልዕሊ ድኻ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝወረደ ማሕሰይቲ ዝውዕል እዩ ኢሎም።

ኣብቶም ዝቕፅሉ መዓልታት ኣብ መላእ እታ ሃገር 250,000 ናይ መግቢ ቁፃር ክዕደል እዩ ኢሎም።እታ ሃገር ንመዕበዪ ህፃናትን ስራሕ ዘይብሎምን ዜጋታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ እውን ክትውስኽ እያ።

እቲ ሓዱሽ ፓኬጅ ማዕረ ዓሰርተ ሚእታዊት ሓፈሻዊ ዓመታዊ ፍሪያት ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ኢሎም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 3,465 ዝሞቱ ድማ 58 ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG