ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዓሪፎም


ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ
ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ

ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚምባብወ ን 37 ዓመታት ዝመርሕዋ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ መበል 95 ዓመቶም ዓሪፎም። ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ዝግበረሎም ዝነበረ ግዜ'ዩ ምማቶም ዝተገልጸ።

ፕረዚደንት ሙጋበ ፡ ዚምባብወ ኣብ 1980 ድሕሪ ብውሑዳት ጸዓዱ ዝተዓብለለ መሪሕነት ምንጋፋ: ክሳብ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ዝእለዩ ነታ ሃገር መሪሖምዋ እዮም።

ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ዓሪፎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

ናይ 37 ዓመት ዘበነ መሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ብዝተፈላለየ መለክዒታት ዝግለጽ ኣካታዒ ኮይኑ :ገሊኦም ኣብ መትከላቱ ዝጸንዐ ጅግና መራሒ ሓርነት ገይሮም የቕርብዎ። ካልኦት ድማ ዝተሰርቀ ምርጫ: ዝተዳቐቐ ቁጠባ ከምኡውን ሰፊሕ ስግኣት ኣብ ዜጋታት ዘተኣታተወ ገይሮም ይገልጽዎ።

ፕረዚደንት ነበር ሙጋበ ንዘበነ መሪሕነቶም ኣመልኪቶም ኣብ 2018 ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ "ኩሉ ግዜ ምምላስ ናብ ምሕደራ ቅዋም፤ ምምላስ ናብ ግዝኣተ ሕጊ፤ ምምላስ ናጽነት ናብ ህዝቢ ምስ ሰራሕኩ'የ" ኢሎም ንዝቐርበሎም ወቐሳ ተኸላኺሎም ምንባሮም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG