ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ዘለንስኪ ንወረር ሩስያ ዝምልከት ዝውሰድ ስጉምቲ ብዘይምሕላፉ ይነቕፉ


ፕረ.ዘለንስኪ ካብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ መግለጺ ኣብ ዝሃብሉ ዝተወስደ
ፕረ.ዘለንስኪ ካብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ መግለጺ ኣብ ዝሃብሉ ዝተወስደ

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣንጻር ሩስያ ተወሳኺ ቀጻዒ ስጉምትታት ክወስዳ ኣብ ዝቀራረባሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ድማ ኣድማዒ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዕ ኣሎ።

ዘለስንኪ ምስ ፓርላማ ኣየርላንድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቪድዮ ርክብ፡ ድሕሪ`ዚ ኹሉ ሩስያ ዝገበረቶ ዕንወት፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘረባ ዘይኮነስ ተግባር`ዩ ዘድሊ ኢሉ።

ዘለንስኪ መራሕቲ ኤውሮጳ ካብ ህላወ ህዝቢ ዩክሬን ንላዕሊ ብዛዕባ እገዳ ጽዓት ሩስያ ከሻቕሎም የብሉን ኢሉ።

ኣመሪካ ብወገና፡ተወሳኺ 100 ሚልየን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ንዩክሬን ኣስሚዓ`ላ።

XS
SM
MD
LG