ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ዘለነስኪ ኣብ እዋን ምሃብ ድምጺ ሕ/ኣውሮጳ ተጻብኦታት ሩስያ ከምዝሕይሉ ሓቢሮም


ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለንስኪ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ ንሕፀ ኣባልነት ዩክሬን ዝድግፉ እንተኾይኖም ኣብዚ ሰሙን ንምዝርራብ ይዳልው ኣብ ዘለውሉ "ካብ ሩሲያ ብዙሕ ጎነፃዊ ምንቅስቓስ ክንፅበ ኢና’’ ኢሎም።

ንሶም ትማሊ ስንበት ብቪድዮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ታሪኽ "መፃኢ ዕጫ’’ ዩክሬን ኣዚዩ ወሳኒ እዋን እዩ ኢሎም።ኣብ ዩክሬን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ እውን ወሳኒ እዋን እዩ ኢሎም።

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ንሕፀ ኣባልነት ዩክሬን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንድፊ ደገፍ ኣሕሊፉ።

27 ኣባል ሃገራት ነቲ ጉዳይ ዘትየን ሓሙስን ዓርብን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ድምፂ ክህባሉ እየን።ዩክሬን ናብ ደረጃ ሕፀ እንተድኣ ዘይሰጕማ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ንምዃን ብዙሕ ዓመታት ክወስደላ እዩ።

XS
SM
MD
LG