ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሓይልታት ዩክሬን ንገለ ከተማታት ዞባ ኻርኪቭ ካብ ወታሃደራት ሩሲያ መሊሶም ምምንዝዖም ‘’ሰናይ ዜና’’ክብሉ ብምፅዋዕ ሞጊሶም።
ዘለንስኪ ኣብዚ ዳሕረዋይ ናይ ቪዲዮ መልእኽቶም ንብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ዩክሬን ብምብምርቛሕ "ናይ ውግእ ተልእኽኦም ንምፍፃም ዘርኣይዎ ሓርበኝነት ጅግንነትን’’ ንኢዶም።
ከበድቲ ኣፅዋር ዩክሬን ኣብ ደቡባዊ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሓይልታት ሩሲያ ዕውት ደብዳብ ፈፂሞም ኣለው እውን ኢሎም።ዩክሬን ትማሊ ረቡዕ ሩሲያ ኣብ ዝወረረቶም ጥቓ መመንጨዊ ኑክሌራዊ ሓይሊ ዛፖሪዝዚያ ዝነበሩ ንድሕነቶም ክብሉ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ፀዊዓ።
ክልቲአን ሩሲያን ዩክሬንን ነቲ ማእኸል ኑክሌር ደብዲባ ክብላ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።
0፱፡0፰፡፳፪፪