ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ዘለስንኪ ምብጻሕ በዓልቲ ቤቶም ኣብ ኣመሪካ ውጽኢታዊ ምንባሩ ሓቢሮም


ቀዳመይቲ እመቤት ኦሌና ዘለንስኪ
ቀዳመይቲ እመቤት ኦሌና ዘለንስኪ

ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘለንስኪ በዓልቲ ቤቶም ቀዳመይቲ እመቤት ኦሌና ዘለንስኪ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘካየድኦ መገሻ ውጽኢቱ ምርኣይ ጀሚርና ኣለና ኢሎም።

ፕረ.ዘለንስኪ ኣብ መደረኦም ብድሕሪ’ቲ መገሻ ኣባላት ሴነት ኣመሪካ ዝኾኑ ጀምስ ሪሽ: ቤንጀሚን ካርዲን: ሮጀር ዊከር: ሪቸርድ ብሉምንተል: ሮብ ፖርማን: ጂን ሸሂንን ልንድስይ ግርሃምን ተግባር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ጀኖሳይድ (ጅምላዊ ህልቂት) እዩ ዝብል ረቂቅ ሰነድ ንከዳልው ከምዘኽአለ ጠቂሶም።

ንሶም ወሲኾም ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ትፍጽሞ ዘላ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ንባዕላ መቃብር ትኹዕት ከምዘላ ዝሕብር እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሓይልታት ሩስያ ንከተማታት ዩክሬን ብነዊሕ ተወንጫፊ እንደገና ከምዝደብደበት ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። እዚ ደብዳብ ዝተፈጸመ፣ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ "ሞስኮ ነቲ ውግእ ካብ ዞባ ዶንባስ ንክተስፈሖ ተቀሪባ ኣላ" ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

XS
SM
MD
LG