ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን ንግዳያት ደርቂ ክልል ሶማሌ በጺሖም


ፕረዚደንት ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት መድሕን ዴቪድ ሚሊባን፣ ትማሊ ረቡዕ ነቶም ኣብ ክልል ሶማሌ ግዳያት ደርቂ ኮይኖም ዘለው ሰባት ከምዝበጽሕዎም ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን’ቲ ዑደት፣ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዝነበሩ ሚሊባንድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣብ’ቲ ክፍሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምቁጽጻር፣ ህጹጽ ሓገዝ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።

ብመሰረት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝዘርገሖ ሪፖርት፣ 970 ሽሕ ህዝቢ፣ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልዪዎም ኣሎ። ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልን የመንን ካብ’ቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣጓኒፉ ዝነበረ፣ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝኸበደ ሓደጋ ወሪዱ ከምዘሎን እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG