ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ተቓውሞ ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም


ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሃገሮም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም ኣለው።

ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኣል በሽር ንሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር መሃመድ ኣሕመድ ሳልም ነቲ ምርመራ ክመርሑ ምምዛዞም ሓቢሮም።ዝርዝር ሓበሬታ’ታ ምርመራ ግን ኣይተወሃበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 22 ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ጉጅለታትን ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱን ስልጣን ን”ነጻ ቤት ምኽሪ” ከረኽቡን መሰጋገሪ መንግስቲ ብምምዛዝ ንዲሞክራሲያዊ ምርጫ መዓልቲ ክውስን ክብሉ ጻዊዒቶም ኣቕሪቦም ኣለው።

እተን ፓርቲታትን ሎሚ ረቡዕ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ክህብዎ ኣብ ዘዳለውዎ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ “ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል ደው ንምባል ዘኽእል ቁጠባዊ መሳርሒ ከምዘይብሉ ዝፍለጥ’ዩ” ድሕሪ ምባል ”እዚ ስርዓት ምስ ዘለዎ ፖለቲካዊ፡ቁጠባዊ፡ ዞባዊን ዓለምለኸ ተነጽሎ ነዚ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቀውሲ ክፍትሕ ኣይክእልን” ኢሎም።

ብተወሳኺ‘ቲ ስርዓት መዝነቱ ምስ ዘየሰጋግር ልዑል ሳዕቤን ከምዝህልው ኣጠንቂቖም ኣለው።

እተን ፖርቲታት ፖለቲካ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ነጻነትን ዲሞክራሲን ዘለዎን ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባታት ኩዱፋን ዳርፉርን ብሉ ናይል ዘሎ ግጭት ደው ከምዘብሎ ይገልጹ ኣለው።

እቲ ናብ ፕረ. ኣልበሽር ዝተላእከ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ትማሊ ሶሉስ ንጋዜጠኛታት ዝተነበበ እንተኾነ ካብ መንግስቲ ግን ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይረኸበን።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ሱዳን ብዝተላዕለ ተቃውሞ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር 19 ሰባት ምሟቶም ክገልጹ ከለው ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ግን ቁጽሪ ዝሞቱ 37 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይገልጹ ኣለው።

ፕረ. ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ተቓውሞ ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:31 0:00

ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ንዝኽሪ መበል 63 ዓመት ነጻነት ሱዳን ብዝምልከት ብሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መደረ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ጊዜ ከምዘሎ ብምግላጽ “ ግሉጽነት ውጽኢታዊንትን ፍትሒ ኣብ ኩለን ሃገራዊ አካላት ክህልው’ዩ” ክብሉ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ናይ 2019 ባጀት ወሰኽ ደሞዝ ሓገዝ መንግስቲ ኣብ ምርግጋእ ዋጋታት ሓድሽ ናይ ቀረጽ ታሪፍ ካብ ምትእትታው ከምዝቑጠብ ገሊጾም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምሕ ሻኮሪን ሓላፊ ጸጥታ ግብጺ ጀነራል አባስ ካማል ምስ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ንምዝርራብን ብሓሙስ ካርቱም ምእታዎም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG