No media source currently available
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሃገሮም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ሕጂ እዋን ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኣል በሽር ንሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር መሃመድ ኣሕመድ ሳልም ነቲ ምርመራ ክመርሑ ምምዛዞም ሓቢሮም።ዝርዝር ሓበሬታ’ታ ምርመራ ግን ኣይተወሃበን።