ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዑመር ኣልበሸር ኣብ ግብጺ ዑደት የካይዱ


ግብጺ ንመራሒ’ታ ብተቓውሞ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘተአናገደትሉ ንምርግጋእ’ ታ ሃገር ደገፋ ከምትህብ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሸር ምስ ናይ ግብጺ መዘነኦም ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ተራኺቦም ኣብ ምሕያል ዝምድናን ምድንፋዕ ቁጠባዊ ዝምድናን ድሕሪ ምዝርራቦም ንምትሕብባር ክልቲኣን ሃገራት ዝምልከት ሓባራዊ ናይ ቴሌቭዥን መግለጺ ሂቦም።

ፕረዚደንት ኢል ሲሲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ታሪኻዊ ዝምድና ንምቕጻል ዘለዎም ድልየት ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ፕረዚደንት ዑመር ብወገኖም እቲ ኣብ ሱዳን ኣንጻሮም ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ከምቲ ዝረአ ከምዘይኾነ ብምግላጽ ንምምሕዳሮም ዘነኣእሱ ናይ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘልዓልዎ'ዮም ክብሉ'ውን ከሲሶም።

“ገለ ኣሉታዊ ትካላት ንምርግጋእን ጸጥታን’ቲ ዞባ ንምዝራግ ዝሰርሑ ኣለው፤ ጸገም የለን ኣይኮናን ንብል ዘለና እንተኾነ ከምቲ ገለ መሓውራት ዜና ዝገልጽዎ ዓብይ ኣይኮነን ንናይ 2011 ተቓውሞ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ንምድጋም’ዩ ፈተነኦም” ኢሎም።

ኣብ 1989 ብወታሃደራዊ ዕልዋ ናብ መሪሕነት ዝመጹ ኣልበሸር ለውጢ መሪሕነት ዝመጽእ ብምርጫ ጥራይ ምዃኑ'ውን ሓቢሮም።

ፕረ. ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2010 ብምጽናት ዓሌት ዳርፉር ናብ ዓለምለኸ ቤር ፍርዲ ገበን ዝተኸሰሱ ክኾኑ ከለው ዘካየድዎ ዑደት’ ውን ናብ ገለ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ጥራይ ዝተወሰነ ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG