ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ክልል ኦሮምያ ሓዳስ ትምስረት ከተማ ሸገር ዝምልከት መብርሂ ሂቦም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዙርያ ከተማ ፊንፊኔ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ዞባ ዝርከባ 5-ከተማታትን ሓደ ወረዳን ብምትእኽካብ ዝተመስረተት ሓዲሽ ከተማ ሸገር ንነበርታ ምችእቲ ክትከውን’ያ ክብሉ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ፕሮግራም ምስረታ’ታ ከተማ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ እታ እትምስረት ከተማ ዓቅሚ ዘለዋን ንሓረስቶት ሒዛ ከምትዓቢ ክትግበር’ያ ክብሉ ተዛሪቦም’ለዉ።

እታ ንሓሙሽተ ከተማታትን ሓንቲ ወረዳን እትምስረት ከተማ ሸገር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቀት እትርከብ ኾይና ብስንኪ ምስረታ’ዛ ኸተማ ኣባይቶም ዝፈረሶም ነበርቲ ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኽጠርዑ ፀኒሖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG