ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኬንያታ ቫይረስ ኮሮና ዝተራእየሉ ከባቢታት ምንቅስቃስ ደው ክብል ኣዚዞም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብቫይረስ ኮሮና ዝተራእየሉ ከባቢታት’ታ ሃገር ምንቅስቃሳት ደው ክብል ከምኡ’ውን ዝርግሓ’ቲ ቫይረስ ንምክልካል ዝውሰድ ስጉምቲታት ክተርር ኣዚዞም።

ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ትእዛዝ’ቲ ቫይረስ ካብ ዝተራእየሉ ከባቢታት ምውጻእ ኮነ ምእታው ዝተከልከለ’ዩ።

እዚ ምድራት ምንቅስቃስ ቫይረስ ዝተራእየሉ ከባቢታት ንፈላሞት 21 መዓልታት ምኳኑን ካብ ሎሚ ሶኑይ ሚያዝያ 6,2020 ከምዝጅምር ፕረዚደንት ኬንያታ ብቴሌቭዥን’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም ።

ኣብ ኬንያ ክሳብ ሕጂ 158 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 6 ድማ ዝሞቱ 4ዝሓወዩ ምምዝጋባ ይፍለጥ።

ምንቅስቃስ ክድረት ኣዋጅ ዝወጸለን ከባቢታት ናይሮቢ: ሞምባሳ: ኪሊፊን ኪዋሊን እየን።

እዚ ምድራት ምንቅስቃስ ኣብዘን ኣርባዕተ ቦታታት ዝብል ውሳነ ዝሓለፈ ዝርግሓ’ቲ ቫይረስ ናብ ካልእ ከባቢታ’ ታ ሃገር ንምግታእ ምዃኑ ፕረዚደንት ኬንያታ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG