ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኬንያታ ሃገሮም ኣብ መዳይ ንግዲን ወፍሪን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ አጋርነት ከተዕብይ ከትደልይ ኣፍሊጦም


ኬንያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ዝምድና ንግዲ ንምዕባይን ሃብታማት ኣሜሪካዊያን ንምስሓብ ከምትደልይ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረብዎምን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መዳይ ንግዲን ጸጥታ ከምዝተመያየጡ ተፈሊጡ’ሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ቅድሚ ምርኻቦም ፕረዚደንት ሁሩ ኬንያታ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ኣብ ርክብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣመልኪቶም ርእይትኦም ሂቦም ኔሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG