ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኤርዶጋን ስዑዲ ዓረብ ሬሳ ጋዜጠኛ ካሾጊ አበይ ከምዘሎ ከተፍልጥ ሓቲቶም


ናይ ቱርኪ ፕሬዝዳንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ስዑዲ ዓረብ ናይቲ ዝተቐትለ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ሬሳ ኣበይ ከምዝኣተወን ሬስኡ ክጉሕፍ ተዋሂቡዎ ዝበሉዎ ተሓባባሪ መንነት ክተፍልጥን ሎሚ ዓርቢ ሓቲቶም።

ኣብ ፓርላማ ሃገሮም ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣት ንዝመፁ ኣባላት ውድቦም ከምዝተዛረቡዎ ዝርዝር ከይገለፁ ኣንካራ ብዛዕባ ቅትለት እቲ ጋዜጠኛ ተወሳኺ መርትዖ ኣለና ኢሎም።ከም ኣካል ምርምራ ቅትለት ካሾጊ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ፅባሕ ሰንበት ናብ ኢስታንቡል ከምዝመፁን ምስ ሰበስልጣን ቱርኪ ከምዝዘራኸቡን ገሊፆም።

ስዑዲ ዓረብ ካብ ቱርኪ ብመሰረት ዝቐረበ መርትዖ ካሾጊ ኮነ ተባሂሉ ብግፍዒ ዝተቐትለ ምዃኑ ትማሊ ሓሙስ ኣሚና’ላ።

XS
SM
MD
LG