ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማን በርኒ ሳንደርስ ንጆ ባይደን ደገፎም ገሊጾም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ጆ ባይደን ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንደሞክራቲክ ፓርቲ ንኽውክል ትማሊ ሰሉስ ድጋፉ ገሊጽሉ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ዋና መወዳድርቱ ዝነበረ ሰነተር በርኒ ሳንድርስ`ውን ንባይደን ድጋፉ ድሕሪ ምግላጹ`ዩ።

ሃገር ኣብ ኮሮናቫይረስ ኣተኩራትሉ ዘላ እዋን፥ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ እዛ ሃገር ሓዲሽ መራሒ የድልያ`ሎ ኢሉ።

ሕጂ ዘድሊ ዘሎ መራሒ ብፍልጠትን ብተመክሮን፥ ብቅንዕናን ብትሕትናን፥ ከምኡ`ውን ብዝርዳእን ብእምነትን ዝመርሕን መራሒ`ዩ ዘድሊ ዘሎ ዝበለ ባራክ ኦባማ፥እዚ ዓይነት መሪሕነት ኣብ ርእሰ-ከተማታት ክፍለግዝእትና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዋይት ሃውስ`ውን ስለ ዘድሊ ዘሎ ንጆ ባይደን ንፕረዚደንትነት ኣሜሪካ ድጋፈይ ክገልጸሉ ከለኹ ሓበን ይስምዓኒ ኢሉ።

ቅድሚ ትማሊ ሰኑይ ድማ ምስ ባይደን ዝወዳደር ዝነበረ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ፥ ውድድሩ ድሕሪ ምቁራጽ ንባይደን ድጋፉ ገሊጽሉ`ዩ።

"ሎሚ ንኩልኹም ኣመሪካውያን ዝሓተኩም፥ ንነብሰወከፍ ደሞክራትን ናጻ-ፓርትን ከምኡ`ውን ንብዙሓት ሪፓብሊካን ዝሓተኩም፥ ነዚ ሎሚ ኣነ ዝድግፎ ዘለኹ ጆ ባይደን ንምድጋፍ ናብ ሓደ ክንመጽእ እሓተኩም ኣለኹ ኢሉ" ሳንደርስ።

ተንተንቲ እዚ ብኦባማን ሳንደርስን ንባይደን ዝተዋህበ ድጋፍ፡ ሓድነት ዲሞክራት ዘመላኽት`ዩ ይብሉ ።

ኣንድራ ጊልስፒ ካብ ኤሞሪ ዩኒቨርሲቲ፥ ኣብዚ እዋን ለበዳ ቫይረስ እኹል ናይ ሚድያ ሽፋን ክትረኽበሉ ዘይትኽእል እዋን፥ ወፍሪ ምርጫ ኾነ ሰልፍታት ክተካይደሉ ኣብዘይክኣለሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ድጋፍ ምርካብ ኣገዳስነት ኣለዎ- ምኽንያቱ ኣብዚ መንጎ ምይይጥ ኮሮናቫይረስ ትኹረት ክረክብ ይኽእል`ዩ ይብል።

ንደሞክራቲክ ፓርቲ ወኪሉ ዝወዳደር ጆ ባይደን ሕጂ ንሰነተር በርኒ ሳንደርስ ዝድግፉ ዝነበሩ መንእሰያት ከምዝድግፍዎ ክገብር ኣለዎ።

ጆ ባይደን ሕጂ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር መን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ዝብል ውድድር ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ`ዩ ክገጥም።

ኣብዚ ዓለማዊ ቅልውላው- መን ንኣድመጽቲ ይስሕብ-ዝብል ሕቶ ድማ ወሳኒ ክኸውን`ዩ።

XS
SM
MD
LG