ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ብሩንዲ የካይዳ ኣለዋ


ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ከተማ ቡጅምብራ ብሩንዲ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ። ትማሊ ኣብ ከተማ ቡጁምብራ ክእታዋ ከለዋ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ኤቫሂስቴ ንሳይሽምየ ተቐቢሎምወን።

ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ርክባት ንምሕያል ምዃኑ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ተዛሪበን።

"ናብ ብጁምብራ ምምፅአይ ሓጎስ ይስምዓኒ።ቅድሚ ሎሚ መፂአ ዝፈልጥ እንተኾንኩ እውን ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ኮይነ ኣብዚ ምርካበይ ሕጉስቲ እየ። ክልቲአን ሃገራት ጥቡቕ ርክብ ኣለወን፤እቲ ምሕዝነት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክነዕብዮ ድልየት ኣለና" ኢለን።

ብሩንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኣለዋ፤ኢትዮጵያ ግን ኣብ ቡጅምብራ ኤምባሲ ኣይኸፈተትን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG