ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ሱዳን ኣትዩ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ናይ ሱዳን መራሒ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሓን ሎሚ ሓሙስ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ናብ ሱዳን ከምዝገሹ ተፈሊጡ።

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ንክልትኣዊ ርክባትን ዞባዊ ምትሕብባር ንምሕያል ምዃኑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውፅእዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊፆም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሱዳንን እቲ ዞባን ለውጢ ድሕሪ ምምፅኡ ዘለው ክልቲኣዊ ርክባት ብምግምጋም ዓበይቲ ትልምታት ንምድንፋዕ ሓባራዊ ፃዕርታት ንምሕያል ምስምማዖም እቲ ዜና ይሕብር።

ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓወሰ እዩ።መራሒ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣል ቡርሓን ነቲ ናይ ኤርትራ ልኡኽ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ካርቱም ከምዝተቐበሉዎ እቲ ዜና ይሕብር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG