ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም


ብመሰረት ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ ኣሕመድ ዝተገብረሎ ዕድመ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ድሒ ምክያድ ሎሚ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተበጽሓ ስምምዕ ሰላምን ንምሕያልን ኣብ ካልኦት ንክልቲኦም ወገናት ዘገድሱ ጉዳያት ከምዝዝትዩ ሚንስትሪ ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም።

ከም አካል’ዚ ዑደት ክልቲኦም መራሕቲ ትማሊ ሰንበት ነቲ ብ8.1 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተሃንጸ ‘ኦሞ ኩራዝ ሳልሳይ’ ናይ ሽኾር ፋብሪካ መሪቖም ምክፋቶም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ንናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢትዮጵያ ዓበይቲ መሰረት ልምዓት ናይ ምፍፃም ዓቕምን ድልውነትን ኣለዋ ኢሎም።ዓብይ ስለዝሓሰብና ዓበይቲ ስራሓት በይንና ኣይንሰርሕን ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ምስ ኤርትራዊያን ኣሕዋት ህዝቢ ሓቢርካ ናይ ምዕባይ ትልሚ ኣብ ምውጣን ንናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስነስርዓት ምረቓ ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ንኽርከቡ ከምዝዓደሙዎም ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገኖም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓብዩ ፕሮግራም ልምዓት ክካፈሉ ንዝተገብረሎም ዕድመ ብምምስጋን ኤርትራ ካብዚ ፕሮጀክት እዚ ተመክሮ ክትረክብ እያ ምባሎም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ሓቢሩ’ሎ።

ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁጽሪ ሰለስተ ኣብ ትሕቲ ፕሮጀከት ልምዓት ሽኮር ኩራዝ ኦሞ ካብ ዝህነፁ ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ሓደ እዩ።

XS
SM
MD
LG