ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ወራሲ-ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተራኺቡ ምዝርራቡ ተገሊጹ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ኣብ ኣቡዳቢ ምስ ወራሲ-ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ልዑል ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናኽያን ተራኺቡ ብዛዕባ ክልቲኣዊን ዞባውን ጉዳያት ምዝርራቡ ምንጭታት ኣቡዳቢን ኣስመራን ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ተጸዋዒ ፕረዚደንታዊ ጉዳያትን ሺኽ መንሱር ቢን ዛይድን ምስ ምኽትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት `ታ ሀገርን ምምካሩ፡ ካብ ኢማራት ዓረብ ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ብዘይካ’ዚ እቲ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳያት ኤንርጂን ሕርሻን ዘተኮረ ምንባሩ፡ ካብ ሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዝወጸ ናይ ትዊተር መልእኽቲ የመልክት።

ኤርትራን ኢማራት ዓረብን፡ ኣብ ተሓዳሲ-ኤንርጅን፡ ሕርሻን ምትሕብባረን ንምዕባይ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ምብጽሐን `ውን ተጠቒሱ`ሎ። ከምኡ`ውን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ`ዚ ቐረባ ብዛዕባ ዝርኣዩ ዘለዉ ዞባውን ዓለምለኻውን ለውጥታት ድሕሪ ምዝታይ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ብዘኽብር መልክዕ ተሓባቢረን ንምስራሕ ምምካረን ተሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG