ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢሳያስ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ሶማል ምብጻሕ የካይዱ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ሓሙስ ሞቃዲሾ ኣትዮም ኣለው።

እቲ ዑደት አካል እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተበጽሓ ሱሉሳዊ ስምምዕ ሰላም ምኳኑ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእክቲ ሓቢሮም።

“ኤርትራን ሶማልን ብምሕዝነት፡ምክብባርን ሸርክነት ዝቆመ ታሪክ ዘለወን ሃገራት እየን። እዚ ድማ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ዝጅምር’ዩ” ክብሉ ሚንስትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ወሲኾም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ብወገኖም ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ዝጸንሓ ታሪኻዊ ሕውነታዊ ምትእስሳር ናብ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዝውዕል ዘመናዊ ዕድላት ክቅየር’ዩ ክብሉ ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ጽሒፎም ኣለው።

ዝሓለፈ ወርሒ ብ ከተማ ባሕር ዳር ኢትዮጵያ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣቐዲሞም’ውን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም ሱሉሳዊ ስምምዕ ሰላም ምፍርራሞም ይዝከር።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ኣስታት 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ኣብ ወርሒ ሓምለ ብስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምዝዛመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማሲያዊ ለውጢታት ይረአ’ዩ ጀሚሮም። ኤርትራን ሶማል ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ጀሚሮም፡ ኤርትራን ጅቡቲን ድማ ኣብ መንጎኣን ዝጸንሓ ውጥረት ንምፍታሕ ይጽዕራ ምህላወን ይፍለጥ።

ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈለማ ጊዜ ኣብ ሶማል ምብጻሕ የካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:59 0:00

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ናይ ሶማል ዑደቱ ናብ ኬንያ ከምዘምርሕ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG