ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ዝህነጽ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ እምነ መሰረት ኣንቢሮም


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከባቢ ስድስት ኪሎ ንዝህነጽ ኤምባሲ ኤርትራ፡ እምነ-መሰረት ኣንቢሮም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት፡ እቲ ቦታ ህንጸት ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተዋህበ ህያብ``ዩ ክብሉ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብወገኖም፡ ኤርትራ ነቲ ንሰለስተ ወለዶታት ዝተኸስረ ዕድላት፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዝተኸፍተ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ንምሕያል ክትሰርሕ`ያ ምባሎም፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ንህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት ካብ ድኽነት ንምውጻእ ብዘይምሕላል ክንሰርሕ ኢና፡ 2020፡ ድማ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን፡ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ናይ ብልጽግና መጀመርያ ዓመት ክትከውን`ያ ምባሎም፡ ኣገልግሎት ዜና ፋና ጠቒሱ`ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ፕዚሲደንት ኢሳያስ ኣብ ከተማ ኣዳማን ኣብ`ቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ብምብጻሕ፡ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪያውን ሕርሻውን ፕሮጀክትታት ከምዝተዓዘቡ ኣገልግሎት ዜና ፋና ይሕብር።

ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ትማሊ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ተሰንዮም፡ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ንዝርከብ ሓዲስ መቆጻጸሪ ሳታላይት ምዕዛቦም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG