ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኢሳያስ ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ይፍጽሙ ኣለው


ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ሎሚ ሰሉስ ካርቱም ሱዳን ኣትዮም ኣለው።

ብመሰረት መልእኽቲ ትዊተር ሚኒስትር ዜና ኣቶ የማነ ገ/መስቀል "ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሕዎ ጉጅለ፣ ንሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ዝሓቆፈ’ዩ።"

ንሶም ወሲኾም "ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስ አቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሉላዊነት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ንክልተኣዊ ዝምድና ሃገራቶም ንምሕያል ከምዝሰርሑ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ጸጥታን ሰራዊትን ተሓባቢሮም ንምስራሕ ዝተበጽሐ ስምምዕነት ዝትግበረሉ ኣገባብ፣ ብደረጃ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነጥፍሉ ኩነታት ከምዝዘተዩ" ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG