ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኢሰያስ ምስ ምስ ወራሲ ዙፋን ኣቡዳቢ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ወራሲ ዙፋን አቡዳቢ ልኡል ሸክ መሓመድ ቢን ዛይድ ትማሊ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ተራኺቦም: ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዘሎ ርክብ ንምሕያል ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።

ሚኒስትር ዜና አቶ የማነ ገብረ መስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ትምህርቲ: ጥዕና : ትሕቲ ቅርጺ: ሕርሻን ፈብሪካታትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ወፍሪ ሃብቲ ኣብ ልዕሊ ዝውስኽሉ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም ኣለው።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ዓለምለኸን ዞባዊን ምዕባለታት ኣመልኪቶም ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ከምዝተመያየጡ አቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጾም

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ጸጥታ የመን ትግብሮ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ወታደራዊ መደበር ከምዘለው ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ስልጣት ዝሓዙ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለው ለውጢ ንፖለቲካ’ቲ ዞባ ቀይርዎ’ዩ ኢትዮጵያ ንኢኮኖሚያዊ ብዝምልከት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምስ ኤርትራ ንዝተገብረ ውዕል ሰላም ንምኽባሩን ቃል ምእታዋ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ዝለዓሉ ብርኪ ልኡኻት ናብ አዲስ አበባ ምልኣኻ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG