ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኢሳያስ ምስ ልዑል ዓረብ ኢማራትስ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ልዑል ዓረብ ኢማራትስ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ሎሚ ኣብ ኣቡ ዳቢ ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ብሰፊሕ ምዝርራቦም ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ሶማልን ኬንያን ምክያዶም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳያስን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ሶማል ንፈደራል መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘበረክትዎ ሓገዝ ብሓባር ክሰርሑ ምስምምዖም ሚንስትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG