ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኢሳያስን ፕረ.ፎርማጆን ታሪኻዊ ርክባት ንምሕያል ተሰማሚዖም


ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላሂ ሞሓመድ ፋርማጆን ኣብዘውፅኡ ሓባራዊ መግለፂ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ብምዝታይ ናይ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ርክባት ንምሕያል ተሰማሚዖም ይብል።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ 13ን 14ን ታሕሳስ 2018 ኣብ ሞቓድሾ ዑደት ኣብ ዝፈፀምሉ ምስ መዘንኦም ፕረዚደንት ፋርማጆ ብምዝታይ ኣብ ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝብን ሓዊሱ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኽልቲአን ሃገራት ንምትሕብባር ተሰማሚዖም ኣለው።

እዪ መግለጺ ኣብ ሓባራዊ ልምዓት፣ምዕባለን ብልፅግናን እቲ ዞባ ጠሚቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተፈጢሩ ዘሎ ሃውህው ንምሕያል ቅሩቡነቶም እውን ኣረጋጊፆም ይብል ።

ሽበራን ድኽነትን ንምግጣም ኣድላይነትን ቀፃልነትን ኩለመዳያዊን ዝተዋደደን ኣገባብ ከምዘድሊ ክልቲኦም መራሕቲ ተሰማሚዖም ኣለው።

ሓባራዊ ፍታሕ ዘድልዮም ብዙሓት ሓባራዊ ፈተናታት ኣብ ቅድሚኦም ከምዘለው ክልቲኦም መራሕቲ ኣፅንኦት ከምዝሃብሉ ዝገለፀ እቲ መግለፂ ኣብ ሕድ ሕድ ሃገራቶምን ብሓባር ንዘጋጥሙ ብድሆታትን ንምፍታሕ ሓባራዊ ዝምድናታቶምን ምድግጋፎም ንከሐይሉ ተሰማሚዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG