ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ናይጀርያ አድማ ዘካይዱ መንእሰያት ምስ መንግስቲ ክላዘቡ ጸዊዖም


ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሓሪ፥ ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ መንእሰያት፥ ኣድማ ደው ኣቢሎም ምስ መንግስቲ ክላዘቡ ተማሕጺኑ።

ብዛዕባ`ቲ ንናይጀርያ ዘናውጻ ዘሎ ኣድማታት ንመጀመርያ ግዜ ነታ ሃገር መደረ ዘስምዐ ቡሓሪ፡ እቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታት መሳርሒ ናይቶም ንናይጀርያ ናብ ዓዘቕቲ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዮም ንደሞክራሲኣ ከበላሽዉ ዝሰርሑ ከይትኾኑ ዝብል መጸዋዕታ ኣሕሊፉ። ይኹን`ምበር ፕረዚደንት ቡሓሪ፡ ብዛዕባቶም ፖሊስ ናብ ሰለማውያን ሰልፈኛታት ተኩሶም ብውሕዱ 12 ሰባት ዝቐተልሉ ኩነታት ኣየልዓለን።

ኣሜሪካ ዝሓለፈ ረቡዕ ነቲ ብፖሊስ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኮኒናቶ`ያ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይጀርያ ብወገኑ ኣብቲ ኣብ ለኪ ቶል ብላዛ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈጸመ ቅትለት ኢደይ የብሉን ክብል ኣፍሊጡ`ዩ።

XS
SM
MD
LG