ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ቻይና ታይዋን አካል ቻይና ምኳና ክትቕበል ኣለዋ ክብሉ ኣጠንቒቖም


ፕረዚደንት ቻይና ሺን ዢንግፒንግ ንርእሳ ተመሓድር ዘላ ደሴት ታይዋን ዘለዋ ድልየት ነፃነት ብምርሕራሕ ኣካል ቻይና ምዃና ክትቕበል ኣለዋ ኢሎም።

ፕረዚደንት ሺን ነዚ ዝበሉ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክፈጥሩ ዘምርሐ ኣጋጣሚ መበል 40 ዓመት ንምኽባር ኣብ ዝተዳለወ ሰነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ እዮም።

ንሶም ብተወሳኺ ቤጂንግ ‘’ሓንቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ክልተ ስርዓታት’’ ብዝብል ምስ ታይዋን ሰላማዊ ውህደት ንምፍጣር ሰፊሕ ባይታ ንምፍጣር ድልውቲ እያ ኢሎም ።ቻይና ንዝኾነ ይኹን ናይ ምፍንጫል ምንቅስቓሳት ከምዘይትፈቅድን ውህደት ንምፍጣር ወታደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስዱን እውን መርገፂ ሃገሮም ደጊመምዎ ገሊፆም።

ሺን ነዚ መደረ ዘስምዑ ዘለው ናይ ታይዋን ፕረዚደንት ፃይ ኢንግ-ወን ታይዋን ንባዕላ እተመሓድር ደሴት ምዃና ቻይና ክትቐብል ኣለዋ ድሕሪ ምባሎም እዩ።

ፕረዚደንት ጻይ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቻይና ‘’ንድልየት ነፃነትን ዴሞክራስን 23 ሚሊዮን ሰባት ክተኽብር ኣለዋ’’ ኢሎም ኣለው። ብምውሳኽኣብ ክብርታቶምን ኣገባብ መነባብርኦምን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ስርዓቶም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት መሰረታዊ ዝኾነ ኣፈላላያት ኣለው ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG