ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ቻይና ሺን ዢንግፒንግ ናብ መበገሲ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነት ከተማ ውሃን በጺሖም


ፕረዚደንት ቻይና ሺን ዢንግፒንግ ኣብታ ሃገር በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ልዕሊ 80,000ን ዝሞቱ 3,100 ሰባት ምኽንያት ብምግባር ናብታ መበገሲ’ቲ ቫይረስ ዝኾነት ከተማ ዉሃን ዑደት ገይሮም ኣለው።

ብመሰረት ፀብፃባት መንግስታዊ ማዕኸናት ዜና ቻይና ንሰራሕተኛታት ጥዕናን ንዝሓመሙን ክሪኡን እቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ዝግበሩ ዘለው ፃዕርታት ክዕዘቡን ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ቻይና ብዝሒ በቲ ሕማም ይትሓዙ ናይ ዘለው ሰባት ይጎድል ምህላው ዝሓበሩ ሰበስልጣን ጥዕና’ታ ሃገር ሎሚ ሶሉስ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 19 ምዃኖም ምስተገለፀ እዮም ናብታ ከተማ ዝገሹ ዘለው።ኣስታት 70 ሚእታዊት ቻይናዊያን ድሮ ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም ኣለው።

ቻይና ንሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገር ብምዕፃው እያ ነቲ ቫይረስ ተኸላኺላቶ።

በቲ ቫይረስ ልዕሊ 9,000 ሰባት ዝተትሓዙዋን 460 ሰባት ዝሞቱዋን ኢጣልያ እውን ተመሳሳሊ ስትራቴጂ ብምስዓብ ንሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዓፅያ’ላ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣስታት 600 ሰባት በቲ ሕማም ምትሓዞምን 26 ድማ ምሟቶም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG