ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራሞፕ ስርዓት ምሕታት ዑቕባ ኣሜሪካ ክልወጥ ይሓቱ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስርዓት ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣሜሪካ ክቕየር ድልየት ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።ፕረ. ትራምፕ ሓተቲ ዑቕባ ክፍሊት መመልከቲ ክኸፍሉ ዘገድድ ለውጢ ክሓውስ ኣለዎ ኢሎም ኣለው። ንዶብ ኣሜሪካን ሜክስኮን ክሰግሩ ይፍትኑ ናይ ዘለው ቁጽሪ ስደተኛታት ይውስኽ ኣብ ዘለወሉ ሕጂ እዋን ምምሕዳሮም ነዚ ደው ንምባል እቲ ለውጢ ንንምትእትታውን ድልየት ከምዘለዎም ፕረ. ትራምፕ ይገልጹ።

ፕረ.ትራምፕ ትማሊ ሶኑይ ኣብዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ሓላፊ ሚንስትር ሃገራዊ ድሕነትን ኣሜሪካ ክፍሊት መመልከቲ ዑቑባ ሓዊሱ ኣሰራርሓ ነዲፎም ክመፁ ሓቲቶምዎም ኣለው።

ስደተኛታት ሕቶ ዑቑባ ኣብ መስርሕ እናሃለወ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ክኸፍሉን ሕትኦም እንተተነጺጉ ድማ ሽዑ ንሽዑ ፍቓድ ስራሕ ክእገድን መልእኽቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG