ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክናዋሕ ሓቲቶም


ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብደብዳቤ ዝውሃብ ድምጺ ናብ ምድንጋር ድምጺ ከምርሕ ይኽእል`ዩ ብምባል- እቲ ምውሃብ ድምጺ ክናዋሕ ዝክኣል እንተኾይኑ ሓቲቱ። ፕረ. ትራምፕ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ብዛዕባ ድሕነት ምርጫ ክትዕ ወሊዑ`ሎ።

ንመጀመርያ ግዜ`ዩ- ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይዚ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክናዋሕ ብምሕታት ትኹረት ዓለም ስሒቡ`ሎ። ንሱ ኣብቲ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፥ በደብዳቤ ዝውሃብ ድምጺ ኣብ ታሪኽ ዘደናገረን ዘይሓቀኛም ምርጫ ክገብሮ ይኽእል`ዩ ኢሉ- መረዳእታ ግን ኣይቕረበን።

" ሰባት ብጽፉፍን ድሕነት ድምጾም ብዝረጋገጸሉን ኣገባብ ክሳብ ምድማጽ ዝኽእሉ-ምናልባት እንተኣናዋሕናዎ`ኸ ክብል`ውን ሓቲቱ-ሽሕ`ኳ ፕረዚደንት ነቲ ዝመጽእ ሕዳር 3 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምድንጓይ ስልጣን እንተዘይብሉ:ንሱ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ኮንግረስ ማለት ባይቶ ስልጣን`ዩ።

ትራምፕ ነቲ ትዊት ኣብ ዝለኣኸሉ እዋን፥ ሚንስተር ወጻኢኡ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ቀሪቡ ብዛዕባ ምንካይ ባጀት ሚንስትሪ ወጻኢ ቃለ-ምስክርነት ይህብ ስለዝነበረ- ነቲ ንምርጫ ምድንጓይ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ። ንሱ ኣብ መወዳእታ ሚንስትሪ ፍትሕን ካልኦትን ብሕጋዊ መንገዲ ዘጽድቅ ዎ`ዩ ዝኸውን፥ ንሕና ናጻን ቅቡልን ምርጫ ምክያዱ ክረጋገጽ ጥራሕ ኢና ንደሊ ክብል መሊሱ።

ብደብዳበ ንዝውሃብ ድምጺ ብዝምልከት ሃገራዊ ማሕበር ዲረክተራት ምርጫ ግዝኣታት ኮነ ሃገራዊ ማህበር ዋና ጸሓፍቲ ግዝኣታት፥ ትማሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጹ ከለዉ፥ ኣብ ምርጫ`ዚ ዓመትዚ ብዛዕባ ድሕነት ድምጺ ዘሰክፍ ነገር ኣሎ እንተኾይና ዝፈለጥናዮ ነገር የለን ኢሎም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG