ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ድሕሪ መጥቓዕቲ ተኹሲ ቴክሳስ’ውን ንምቁጽጻር ምውናን ብረት ዝምልከት ንጹር መርገጺ ኣይሃቡን


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምዕራባዊ ቴክሳስ ሸውዓተ ሰባት ዝሞትሉ መጥቓዕቲ ተኹሲ ብዝምልከት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ ፍጻመ “ብጣዕሚ ሕማቕ ኹነታት”ኢሎም ድሕሪ ምግላጽ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ንዒዶም።ይኹን ደአ እምበር እዚ መጥቓዕቲ ኣብ ሕጊ’ታ ሃገር እንታይ ውጽኢት ክህልዎ’ዩ ንዝብል ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ንጹር መልሲ ኣይሃቡን።ኣብ ኣሜሪካ ዋላ’ዃ ቁጽሪ መጥቓዕቲ ተኹሲ ይውስኽ እንተሎ ብዙሓት ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ድምጺን ሓገዝን ደገፍቲ መሰል ምውናን ብረት ንዘይምስኣን ጽኑዕ ዝኾነ ሕጊ ምውናን ብረት ኣብ ምሕላፍ ክጠራጠሩ ይረአዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ነቲ ናይ ምዕራብ ቴክሳስ መጥቓዕቲ ተኹሲ ፈጺሙ’ዩ ዝተባህለ ጥርጡር ሓደ ናይ ፖስታ መበጻጽሒ መኪና ብምጭዋይ ካብ ከተማ ኦዴሳ ናብ ከተማ ሚድላንድ ምዕራብ ቴክሳስ ኣብ ዝጉዓዘሉ ዝነብረሉ እዋን ሃንደበታዊ ተኹሲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብምኽፋት ሸውዓተ ሰባት ምቕታሉ ይሕብር። ጥርጡር ካብ ፖሊስ ብዝተተኾሰሉ ጥይት ተሃሪሙ ምሟቱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ነቲ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብቲ ኩነታት ንዝተሳተፉ ሓይልታት ጸጥታ “ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ኣገራሚ ስራሕ ሰሪሖም’ዮም” ክብሉ ንዒዶም።

እንተኾነ እዚ ዳሕረዋይ መጥቓዕቲ ተኹሲ ተሪር ሕጊ ምውናን ብረት ዘስዕብ ድዩ ንዝብል ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበሎም ሕቶ ግን ብዙሕ ዘእምን መልሲ ክህቡ ኣይተራእዩን።

“ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ሕግታትን ንዕዘብ ኣለና። ምጽራይ ድሕረ ባይታ እውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ መስርሕ’ዩ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ንዘጋጠሙ ፍጻመታት ንድሕሪት ተመሊስና እንተተዓዚብና ዋላ’ኳ ሓያል ዝኾነ ምጽራይ ድሕረ ባይታ እንተዝኻየደ’ውን እዞም ፍጻመታት ደው ክብሉ ኣይክእሉን ኔሮም ። ስለዚ ዓብይ ጸገም እዩ። ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገም’ዩ።”

ሪፖብሊካ ሰነተር ካን ፔንስልቫና ፓት ቶመይ ምስ ኤቢሲ ቴሌቭዥን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ፕረዚደንት ትራሞፕ ትርጉም ዘለዎ ነገር ኣብ ምስራሕ ዘለዎም ተገዳስነት ገሊጾም ኣለው።

ሰንተር ቶመይ ኣብ መርበብ ሓበሬታን ምርኢት ብረትን ብረት ኣብ ዝግዘአሉ እዋን ምጽራይ ድሕረ ባይታ ክካየድ ኣለዎ ንዝብል ሕጊ ደገፎም ምሃቦም ይዝከር እንተኾነ ብዛዕባ ውጽኢቱ ርግጸኛ ኣይኮኑን።

“ እዚ ኩሉ መወዳእትኡ እንታይ ምኳኑ ርግጸኛ ኣይኮንኩን ግን ፕረዚደንት ኾነ ኣነ ብረት ክሕዙ ዘይግብኦም ሰባት ብረት ምሓዘ ከቢድ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ዓብይ ተገዳስነት ኣለና። ብዛዕባ’ዚ ድማ ዕቱብ ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።”

ይኹን ደአ እምበር ብዙሓት ኣሜሪካዊያን ምጽራይ ድሕረ ባይታ ጥራይ ነቶም ናይ ተኹሲ መጥቓዕቲታት ደው ከብሉ ኣይክእሉን እዮም ምክንያቱ መብዛሕትኦም መጥቓዕቲታት ብሕጊ ዝተገዝኡ ብረት ዝተፈጸሙ’ዮም ክብሉ ስግኣቶም ይገልጹ። ብኣንጻሩ እገዳ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ብረት ነቲ መጥቓዕቲታት ከጉድል ይክእልዩ ኢሎም ይኣምኑ እንተኾነ እዚ ዓይነት ስጉምቲ ካብ ደገፍቲ ምውናን ብረትን ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተወከልቶምን ዓብይ ተቓውሞ ይገጥሞ’ሎ።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ ወርሒ ጥሪ 2019 ጀሚሩ ኣስታት 330 ሰባት ብመጥቓዕቲ ተኹሲ ምሟቶም 50 ካብኦም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝሞቱ ምኳኖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG