ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ስዑዲ ዓረብ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ክጎድል ብምግባራ ኣመስጊኖም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ዝኸበር ሃገራዊ ናይ ምስጋና በዓል /Thanksgiving/ ኣብ ፍሎሪዳ የኽብሩዎ ኣለው።ትራምፕ ካብ ዋሽንግተን ቅድሚ ምብጋሶም ዋጋ ነዳዲ ዓለም ክጎድል ብምግባራ ንስዑዲ ዓረብ ኣመስጊኖም ኣለው።ነባሪ ኣሜሪካ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ብምቓታል ተሓታቲት እንተኾነ እውን ኣሜሪካ ንስዑዲ ዕሽሽ ክትብላ እያ እውን ኢሎም።

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሃገራዊ ድሕነትን ቁጠባዊ ረብሓን ኣሜሪካ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ስኽፍታታት ሰብኣዊ መሰላት ክብደት ንህቦ እዩ ኢሎም።

“እቲ ምኽንያት ንዓይ ቀዳምነት ዝህቦ ንኣሜሪካ እዩ።ኩሉ ነገር ንኣሜሪካ።ንመሸጣ ዝተሰማማዕናሎም ኣማኢት ቢሊዮናት ዶላር ራሕሪሕና ሩሲያ፣ቻይና ወይ ካልኦት ክወስድኦ ኣይንፈቅድን።ብቐሊል ኣገላልፃ ንባዕልኻ ምቕዳም እዩ፤ቅድሚ ኩሉ ንኣሜሪካ እዩ።”

ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈፀመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ይፈልጡ ነይሮም ወይ ንሶም እዮም ኣዚዞም ዝብል መደምደምታ ሪፖርት ትካል ስለያ ኣሜሪካ/CIA/ ዝምልከት ዝተሓተቱ ትራምፕ ክኸውን ይኽእል ዘይክኸውን እውን ይኽእል ክብሉ መሊሶም።CIA ቁርፅ ዝበለ መልሲ ኣይሃበን ዘሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG