ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት G-7 ብአካል ክካየድ ጸዊዖም


መራሕቲ G-7 ማለት ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ነቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ብኣካል ንራኸብ ዝብል ሓሳብ ይርእይዎ`ለዉ።

ትራምፕ ብዛዕባ`ቲ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ዝሕሰብ ዘሎ ዋዕላ ጉጅለ 7: ትማሊ ረቡዕ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ኣሜሪካ ናብቲ ናይ ቀደማ ዓባይ ሃገር ንምምላስ ኣብ ምስግጋር`ያ ትርከብ ዘላ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል-ጃፓን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፥ ቀዳማይ ሚንስተር ሺንዞ ኣበ፥ ብኣካል ዝርከብ እንተኾይኑ ነጽንዖ ኣለና ክብል ከሎ- ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚንስተር ጃስቲን ትሩዶ ድማ እቲ ዋዕላ ብኣካል ድዩ ብማዕዶ ክኸውን ኣብ ገምጋም ክኢላታትን ድሕነትን ዝምርኮስ`ዩ ዝኸውን ኢሉ`ሎ።

ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኤማኑኤል ማክሮን ኩነታት ጥዕና እንተፍቂዱ ንምጋሽ ክፉታት ኢና ክብል ከሎ ናይ ጀርመን ቻንስለር ኣንገላ መርከል ድማ ዝኸውን ክንርእዮ ኢና ዝብል ምላሽ ሂባ`ላ።

ብኻልእ ወገን ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ 106 ሺሕ ሓደስቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ከምዝመዝገበን እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ካብ ዝባራዕ ንድሓር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑን ኣፍሊጡ`ሎ።

ክታበት ኮሮና ኣብ ምስራሕ ድማ እቲ ጻዕሪ ቀጺሉ`ሎ- ናይ ፈተነ ክታበት ንምፍራይ`ውን ትካላት መድሃኒት ውዕላት ይገብራ`ለዋ። ኣስትራ-ዘነካ ዝተባህለ ግዙፍ ኣፍራይ መድሃኒት፥ 300 ሚልየን ዶስ ንምፍራይ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓደ ቢልየን ዶላር ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ክታበት ዝሰርሕን ዘይሰርሕን ምዃኑ ከምኡ ጸገም ዘይምጽእ እንተኾይኑ ኣብ ምርመራ`ዩ ዝርከብ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG