ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝዓለመ ምስማዕ መሰኻኽር ሎሚ ጀሚሩ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝዓለመ ታሪኻዊ ምስማዕ መሰኻኽር ሎሚ ረቡዕ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ጀሚሩ።

አባላት ፓርቲ ዴሞክራት ንፕረዚደንት ትራምፕ ንምውራድ ንዘካይድዎ ዘለው ፃዕሪ ዝመርሑ ዘለው ኣባል ኮንግረስ ኣዳም ሺፍ ፕረ. ትራምፕ 391 ሚሊዮን ወታደራዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ቅድሚ ምፍቃዶም ኣብ ናይ 2020 ፕረዚደንታዊ ምርጫ መወዳደርቶም ዝኾኑ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ምርመራ ክካይድ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ፀቕጢ ገይሮም ክብሉ ኸሲሶም ኣለው።

ቀንዲ ተኸላኻሊ ፕረ. ትራምፕ ዝኾኑ ሪፓብሊካዊ ኣባል ኮግረስ ደቪን ኑንስ ግን ነቲ ምስማዕ መሰኻኽር “ብቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ ዘሎ ተዋስኦ”ክብሉ ፀዊዖምዎ።

ክልተ ሰበ ስልጣን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ሕጂ እዋን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዩክረይን ዝኾኑ ዊሊያም ተይለርን ንጉዳያት ዩክሬይን ዝከታተሉ ጆርጅ ኬንትን ኣብዚ ናይ ስለያ ኮሚቴ ናይ መጀመሪያ መሰኻኽር ብምዃን ብቐጥታ ቴሌቪዥን ይመሓላለፍ ኣብ ዘሎ ምስማዕ ቃለ ምስክርነት ቃሎም ኣብ ምሃብ ይርከቡ።ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መራሕቲ ኣሜሪካ ተኻይዶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG