ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ኣንጻር ዳዒሽ ዝካየድ ኹናት ተዓዊቱ'ዩ፡ ኣሜሪካ ወታሃደራታ ክትመልስ'ያ ክብሉ ሞጊቶም


ፋይል

ኣብ ሶርያ ኣንጻር ዳዕሽ ክካየድ ዝጸንሓ ኹናት ተዓዊቱ’ዩ ፡ ኣሜሪካ ወታሃደራታ ክትመልስ ክትጅምር’ያ ክብሉ ፕረዚደንት ትራምፕ ሞጊቶም።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ናብዚ ኣንጻር ዳዒሽ ዝካየድ ኹናት ተዓዊቱ’ዩ ዝብል ውሳነ ዝመርሕ ፍሉይ መርትዖ ኣየቕረበን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ነቲ ውሳነ ዘፍለጡ ክኮኑ ከለው እዚ መግለጺ ንገለ ሰበ ስልጣን ምክልካልን ዲፕሎማትን አባላት ኮንግረስን ሃንደበት ኮይንዎም ኣሎ።

እዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ዋይት ሃውስ ሰበ ስልጣን ፔንታጎንን ነቲ መልእኽቲ ትዊተር እቶም ፕረዚደንትን መግለጺታቶምን መብርሂ ክህብሉ ዘገድዶም ሕቶታት ኣስዒቡ’ሎ።

ኣብዚ ውሳነ ንምምይያጥ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ምስ ሚንስትር ምክልካል ጂም ማቲስ ተራኺቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG