ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ብቴሌፎን ምዝርራቦም ተገሊጹ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ዓርቢ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ብስልኪ ተዘራሪቦም።ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ልዝብ ናብ ስምምዕ ክቐርብ’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዝነበሮም ብምግላፅ ንኹሎም ወገናት ዝጠቅም እዩ ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን እውን ተዘራሪቦም ኣለው።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ግብፂ፣ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘካይድዎ ዘለው ዝርርብ ብዘይስምምዕ ንራብዓይ መዓልቲ ድሕሪ ምቕፃሉ እዩ።እቲ ልዝብ ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ተመዲቡ እንተነበረ እውን ሎሚ ዓርቢ እውን ቀፂሉ ውዒሉ’ሎ።ኣብ ምምላእ እቲ ግድብ ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።

XS
SM
MD
LG