ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክስኮን መንድቕ ንምስራሕ ሃገራዊ ህፁፅ ኣዋጅ ኣዊጆም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኮንግረስ ብምዝላፍ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክስኮን መንድቕ ንምስራሕ ሃገራዊ ህፁፅ ኣዋጅ ኣዊጆም።

ፕረ. ትራምፕ ‘’ዘፍርሑ ገበነኛታት’’ን ‘’ወራር ‘’ ሓሺሽን ገበንን ንምግጣም እቲ ኣዋጅ ‘’ክስራሕ ዘለዎ ዓብይ ነገር’’ እዩ ኢሎም ።

‘’ብዛዕባ ሃገርና ዘጋጥማ ወራር ኢና ንዛረብ ዘለና’’ ዝበሉ ፕረ.ትራምፕ ‘’ብሓሽሽን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ኩሎም ዓይነታት ገበነኛታትን ሸፋቱን ኢና ንዛረብ ዘለና’’ኢሎም።

ፕረ.ትራምፕ ኣብዚ ናይ ሎማዕንቲ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለፂኦም ኣብ ቅድሚኦም ዘጋጥሞም ሓቂ እውን ተዛሪቦም ኣለው።

‘’እቲ ዘሕዝን ክንኽሰስ ኢና።ዘሕዝን እዩ።ብመስርሕ እዩ ክኸይድ።ግን ኸኣ ክንዕወት ኢና፤ተስፋ እገብር’’ኢሎም ።

ኣባል ዲሞክራት ዝኾና ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ናንሲ ፐሎሲን ኣብ ሰኔት መራሒ ዲሞክራት ሻክ ሹመርን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እቶም ፕረዚደንት ንሕገ መንግስቲ ክቐድዎ ኮንግረስ ኣየፍቅደሎምን እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG