ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ኣብ ደቡባዊ ዶብ'ታ ሃገር ዝህነጽ ዘሎ መንደቕ ንኢዶም


ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን፥ ነቲ ብእኡ ዘሎ ናይ ዶብ ሓጹር መንደቕ ሓያልን ኩሉ መዳያውን`ዩ ክብሉ ገሊጾምዎ።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበለ ዓይነታት ቪዛ እገዳታት ክግበር ድሕሪ ምእዛዞም፥ "ዶባትና ከምዚ ውሑስ ኮይኑ ኣይፈልጥን፥ እዚ ካብ ዓለም ዝሓየለን ኩሉ ዘጠቓለለን መንደቕ`ዩ " ኢሎም።

ኣብቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግም ክምረጹ ዝጉስጉሱ ዘለዎ ፕረ ትራምፕ፥ ክሳብ መወዳእታ`ዚ ዓመት 500 ማይልስ ዝኸውን ሓጹር ዶብ ክዛዘም ከምዝኽእል ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ትማሊ ሰሉስ ዝወጸ ሓበሬታ፥ ኣሪዞና: ሜክሲኮ : ካሊፎርንያን ቴክሳስን ካብ መንጎ ሸውዓተ ዝለዓለ ቁጽሪ ቫይረስኮሮና ዘፍለጣ ግዝኣታት`የን። እተን ካልኦት ድማ ኣርካንሳስ ኖርዝ ካሮላይና- ሳውዝ ካሮላይናን ተነሲን`የን።

XS
SM
MD
LG