ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ፈንዩ


ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ፈንዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኣብ ቻይና ዘድሃበ`ዩ ኢሉ ድሕሪ ምንቃፉ፥ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ "ብኮቪድ ፖለቲካ ምስራሕ ይወሸብ" ብምባል ንሕብረትን ዓለማዊ ሓድነትን ድሕሪ ምጽውዑ`ዩ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምቅላስ ቫይረስ ኮርኖ ኣይነፍዐን ብምባል ገንዘብ ከምዘይህቦ ድሕሪ ምጥንቃቑ፥ ናይ`ዚ ምላሽ ዝሃበ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፥ ነቲ ቅልውላው ናብ ፖለቲካ ኣይንውሰዶ ብምባል ኣብ ቃልሲ ጸረ`ቲ ቫይረስ ሕብረት ክህሉ ጸዊዑ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም" ትኹረት ፖለቲካዊ ፓርትታት ንሰባት ኣብ ምድሓን ክኸውን ኣለዎ፥ ነቲ ቫይረስ ፖለቲካ ኣይንግበሮ፥ ተወሳኺ ሬሳ ዘይትደልዩ እንተኾንኩም ካብ ፖለቲካ ተቖጠቡ። ሓጻር መልእኽተይ ብኮቪድ ፖለቲካ ምስራሕ ይወሸብ" ኢሉ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ፥" ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕለይ ዘለፋታት ክወርድ ጸኒሑ`ዩ፥ ዓሌታዊ ዘረባታት መጺኡኒ`ዩ፥ ነግሮ ተባሂለ`ውን ተጸዊዐ`የ፥ ጸሊም ወይ ነግሮ ምዃነይ ግን የኹርዓኒ`ዩ- ካልእ ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ ዝገልጸልኩም- ናይ ሞት ምፍርራሕ`ውን መጺኡኒ`ዩ" ኢሉ።


ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ንዶ/ር ቴድሮስ ክምልሰሉ ከሎ ድማ፥ ፖለቲካ ኣይንግበሮ ክብል ከሎ ንባዕሉ`ዩ ፖለቲካዊ ዝገብሮ ዘሎ ድሕሪ ምባል፥ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላራት በብዓመቱ ንውድብ ጥዕና ዓለም እናውጻእና ከምቲ ዝግብኦ ጽቡቕ ስራሕ ኣይሰርሐን ይብል።

ትራምፕ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምሕባር`ቲ ለበዳ ቅልጡፍ ኣይነበረን`ዩ ዝብል: ኣብ ቻይና ዘተኮረ`ዩ ክብል`ውን ይነቕፎ። እቲ ትካል ቅድሚ ሎሚ ንቻይና ንኢዱ ኔሩ`ዩ። ነቐፍቲ`ውን ብወገኖም ቻይና መጀመርያ እቲ ለበዳ ሕማም ኣብ ዉሃን ምስተራእየ ሓቢኣቶ እናሃለወት፥እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ክኣምና ጸኒሑ ይብሉ።

ትራምፕ ሕጂ፥ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝህቦ ገንዘብ ጠጠው ከብሎ የጠንቅቕ ኣሎ። እዚ መጠንቀቕታ ምኽልካል ገንዘብ ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋም ግን፥ ኣሜሪካ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣንጻር ኮቪድ 19 ዝውዕል ናይ 225 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣስሚዓ`ላ። ነቲ ሓገዝ ዘስምዐ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፒዮ፥ እዚ ገንዘብ ተወሳኺ ናይቲ ኣቐድም ኣቢሉ ን64 ሃገራት ዝተዋህበ 274 ሚልዮን ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG